HomeHealthመዘኻኸሪ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት ኮቪድ-19 ኣብ እዋን በዓላት (ቁ.5)

መዘኻኸሪ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት ኮቪድ-19 ኣብ እዋን በዓላት (ቁ.5)

ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝኽሰት ዛጊት ዓመቱ ክመልእ ኣብ ዝገማገመሉ ዘሎ ግዜ፡ ብዓለም ደረጃ ልዕሊ 60 ሚልዮን
ሰባት ተለኺፎም፡ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ድማ ሞይቶም ኣለዉ። ሕ/መ/ኣመሪካ ንባዕላ ዝተለኽፉ ኣስታት 13
ሚልዮን ክኾኑ ከለዉ፡ ልዕሊ 264 ሽሕ ድማ ሂወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ካብ’ቲ ብዓለም ደረጃ ወሪዱ ዘሎ
ማህሰይቲ ኣመሪካ ጥራይ በዚ ቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ 22%፡ ዝሞቱ ድማ 19% ዘጠቓልል ምዃኑ ዘሕዝንን ኣዝዩ
ዘሰክፍን ኩነታት ከምዝኾነ ንምርድኡ ኣየጸግምን። እቲ ኩነታት ድማ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ፡ ምስ ምቅይያር
ኩነታት ኣየር ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡ በጺሑስ ኣመሪካ ሓዊስካ ብዙሓት ሃገራት ብካልኣይ ማዕበል ተወቒዐን ዳግም
ናብ ምርጋጥ ገጸን ይምለሳ ምህላወን ምልክት ናይ’ቲ ገና ዘይተወገደ ሓደጋ ኢዩ። ክታበት ተስፋ ተረኺብዎ’ኳ
እንተሎ፡ ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ገና ከቢድ ማህሰይቲ ክስዕብ ምዃኑ ክእመት ይከኣል።
ስለዚ ድማ፡ ምስ ምእታው ቅንያት በዓላት ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ኣመሪካ ብመዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving
Day) ስድራቤታት መቕርብን ዝተኣኻኸብሉ በዓል ንኣቱ ብምህላውና ነቲ ኩነታት ከጋድዶ ከምዝኽእል
ዝምልከቶም ሰብ ሞያን ሰበ-ስልጣንን ብጻዕቂ ካብ ዘጎሳጒስሉ ዘለዉ ጉዳይ ምዃኑ ኩላትና ንዕዘቦ ኣሎና። ስለዚ፡
ብምኽንያት እዚ በዓል፡ ነብሲ ወከፍ ስድራ ነዛ ተጠውያ ድሕሪ ሓደ ዓመት ትመጽእ በዓል ሰኣን ጽምም ኢልካ
ምሕላፍ፡ ዘየድሊ ምትእኽኻብ ክፈጥሮ ኣብ ዝኽእል ሓደጋ ምእታው ብሓቂ ዝግባእ ከምዘይኮነ ብምስትውዓል፡
ካብ መገሻን ዘየድሊ ምንቅስቓሳትን ተቖጢቡ ሰብ ኣብ በቤቱ ብሰላም ከብዕልን ኩሉ ዘድሊ ጥንቃቐታት
ከዘውትርን ኣጥቢቕና ንምሕጸን።
እዚ ለበዳ ተሳዒሩ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ነብሲ ወከፍ ሰብ ድሕነቱ፡ ድሕነት ስድራ ቤቱን ካልኦት ኣብ ከባቢኡ
ዝርከቡ ሰባትን ምሕላውን ምድግጋፍን ዘድልየሉ ወሳኒ ግዜ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ሓላፍነት ዝስመዖ ሰብ ብምስትውዓል
ብሓላፍነትን ክዋሳእ ከምዝኽእል ልዑል እምነትና ንገልጽ።

ድሕነት ልዕሊ ኩሉ !
ዓወት ንሓፋሽ!
ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ሕ/መ/ኣመሪካ
24 ሕዳር 2020

RELATED ARTICLES

Most Popular